July 24, 2011

ሎሚ ንግሆ ብወግዒ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤክስፖ ህዝቢ ብውዕዉዕ መንፈስ ኪነግዶ ጀሚሩ።

ሎሚ ንግሆ “ኣብ ትሕቲ ውሁድ ቅኒት ንሃገራዊ ክብረት” ዝብል ቴማ ዝተኸፍተ ምርኢት ኤክስፖ 2011 ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጸ ህዝቢ ብውዕዉዕ መንፈስ ኪነግዶ ጀሚሩ።

ኣብዚ ፈስቲቫል’ዚ፣ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ኣብ ዞባኣ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ትምህርቲ፣ ፍርያትን ዘለዋ ጸጋታትን ዘንጸባርቕ ምርኢት ኪቐርብ እንከሎ፣ በብዓመቱ እናሰሰነ ዝኸይድ ዘሎ ምህዞኣዊ ክእለት መንእሰያት ሎሚ ዓመት ብሓገዛት ኮምፒተራት ዝተሰነየን ብጥረ ነገራት ዝተሰርሐን ዝተፈላለየ ምህዞታት ተዳልዩ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ ነጋድያን ኣብቲ ቅርዓት ንትሽዓቲአን ብሄራት ሃገርና ዘንጸባርቕ ባህላዊ ምርኢታት ክዕዘቡ ከለዉ፣ ዝተፈላለያ ወሃብቲ ኣገልግሎታትን ንግዳውያን ትካላትን ኣገልግሎት ይህባ ኣለዋ።

ነቲ ግዜ ወሲድካን እናዞርካን ኪትፈልጦ ዝከኣል ንታሪኻዊ ቅርስታት ኤርትራን ርኽበታትን፣ ንንጠፈታት ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ኮለጃትን፣ ናይ ቅብኣ ኣሳእል፣ ስእላዊ ኤግዚቪሽናት፣ ቁሸት ህጻናትን ካልእ ንጥፈታትን ሃገርና ኣብ ሓደ ቅርዓትን መኣድን ብሓደ ግዜ ኪዕዘብዎ ምኽኣሎም ዝያዳ መኽሰብ ናይቲ ንግደት ምዃኑ ነጋድያን ናይዚ ዓመት’ዚ ገሊጾም።

ምርኢት ኤክስፖ 2011 ካሳብ 31 ሓምለ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ ከምዝቕንይ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ገሊጻ።

***********ኣ.ዜ.ኤ**************

Activities of Eritrean Nationals in the Diaspora

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ 2 ቀዳማይ ምዕራፍ፣ ጥልያን...

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ ቀዳማይ ክፋል ህርፋን 1

President Isaias’ speech in connection with the...

Eritrean nationals celebrate Independence Day...

መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ