June 7, 2011

ልምዓታዊ መደባት ንምዕዋት ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ፣ ኤርትራውያን ተቐማጦ ስዊዘርላንድ፣ ኵወይትን ፍረዝኖን ኣረጋጊጾም።

ልምዓታዊ መደባት ንምዕዋት ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ፣ ኤርትራውያን ተቐማጦ ስዊዘርላንድ፣ ኵወይትን ፍረዝኖን ኣረጋጊጾም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ስዊዘርላንድ፣ ኵወይትን ፍረዝኖን ኣብ ዘካየድዎ ምዕሩግ ጽንብል መበል 20 ዓመት መዓልቲ ናጽነት፣ ልምዓታዊ መደባት ንምዕዋት ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ከተማ ዊንተርቱር – ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኽቡሉ በዓል፣ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣቶ ዓብደላ ጃብር፣ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ናጽነት፣ ህዝቢ ኤርትራ ብጻዕሩን ሓያል መኸተኡን ኣብ በሪኽ መድረኽ ከምዘሎ ዘነጸረ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣብ ስዊዘርላንድ ኣቶ ሽለሺ እድሪስ ብወገኑ፣ “ኣበየ ከባቢኡ ዝካየድ ዘሎ ድሙቕ ጽንብል፣ መርኣያ ውህደትናን ጽኑዕ መኸተናን’ዩ” ክብል ሓቢሩ።

እቲ ጽንብል፣ ብዝተፈላለየ ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት ማዕሪጉ ምንባሩ፣ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ብተመሳሳሊ፣ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ኵወይት፣ ብርክት ዝበሉ ዕዱማት ኣብ ዝተረኽቡሉ፣ መበል 20 ዓመት በዓል ናጽነት ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ከምዝጸንበሉ፣ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ጸብጻብ ኣረዲኡ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃን ኣብ ፖለቲካውን ዜናውን ዓውድታት ዕዙዝ ኣበርክቶ ንዝገብሩ ኵወታውያንን ካልኦት ኣዕራብን መሓዙት ህዝቢ ኤርትራ ህያብ ተበርኪቱ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣቶ መሓመድ ዑመር ማሕሙድ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ንዝተሰላሰሉ ልምዓታዊ መደባትን ዝተሰግሩ ብድሆታትን ብዝርዝር ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ ጉዕዞ 20 ዓመታት ዝተደለበ ተመኵሮ፣ ናብ ዝደልደለ ቍጠባዊ ምዕባለ ከምዘብጽሓና ኣረጋጊጹ።

ኣቦ-መንበር ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ኵወይት ኣቶ ዑስማን ናይብ ብወገኑ፣ ነቲ ጸኒዑ ንውዲት ጸላእትን መጋበርያታቶምን መኪቱ ዝተዓወተ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ “ዮሃና” ድሕሪ ምባል፣ “ኣብ ኵወይት እንርከብ ኤርትራውያን፣ ሕጂ’ውን ኣብ ጎኒ ህዝብናን መንግስትናን ብምዃን ዓጸፋ ክንሰርሕ ኢና” ክብል ገሊጹ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፣ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ፍረዝኖ – ኣመሪካ፣ ብጕዕዞ 20 ዓመታት ዕጉባት ምዃኖም ብምግላጽ፣ ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም።

እቶም ኤርትራውያን ጽንብል ናጽነት ሃገሮም ብምዕሩግ ኣገባብ ኣብ ዘብዓሉሉ፣ “ሳላ ማዕከናት ዜና ኤርትራ፣ ምዕሩይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኩሉ ንምብጻሕ ዝተኻየደ ዕማማትን ውጽኢቱን ንከታተሎ ኣሎና” ድሕሪ ምባል፣ ኣብ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ህንጻ፣ መጓዓዝያ፣ ትሕተ-ቅርጺ፣ ሃብቲ ባሕሪ፣ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ካልእ ጽላትትን ዝጭበጥ ዘሎ ዓወት ንምድንፋዕ፣ ብፍላይ ድማ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ዝካየድ ስራሓት ንምዕዋት ብተወፋይነት ከምዝዋስኡን ኣበርክቶኦም ዓጸፋ ከምዘዕዝዙን ኣብሪሆም።

ኣብ’ቲ ብድምቀት ዘካየድዎ ጽንብል፣ እቶም ዜጋታት፣ ንባህሊ ህዝቢ ኤርትራን ጸጋታት ሃገሩን ዘንጸባርቕ ስእላዊ ምርኢት ክቐርብ እንከሎ፣ ውድድራት ስፖርትን ሓፈሻዊ ፍልጠትን ከምእተኻየደ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ዝተኻየደ ምዕሩግ ወግዓዊ ጽንብል ብመልክዕ ቪድዮ ንተሳተፍቲ ምቕራቡ፣ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ጸብጻብ ኣረዲኡ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Meeting of High Level Committee of Eritrea and...

Senior Eritrean delegation visit to Somalia

إرتريا أرض البحر الحلقة الثالثة ” لعلعة...

Senior Eritrean delegation left for Addis Ababa

Diplomatic activities by Eritreans in Diaspora

President Isaias met and held talks with Saudi...