April 25, 2013

ላዕለዋይ ባይቶ ስፖርት ኣፍሪቃ፣ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ሸሊሙ።

ላዕለዋይ ባይቶ ስፖርት ኣፍሪቃ፣
ንላዕለዎት ሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ሸሊሙ።

ላዕለዋይ ባይቶ ስፖርት ኣፍሪቃ፣ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ሸሊሙ።ኮሚሽነር ስፖርት ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይን ፕረዚደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣቶ ተስፋይ ገብረየሱስን፣ ካብ ላዕለዋይ ባይቶ ስፖርት ኣፍሪቃ ዝተላእከሎም ናይ ክብሪ መዳልያ፣ ብ23 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ኮሚሽን ስፖርት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ተቐቢሎም።

ክልቲኦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስፖርት ኤርትራ ነዚ ሽልማት’ዚ ዝበቕዑ፣ ላዕለዋይ ባይቶ ስፖርት ኣፍሪቃ ብ9 ሕዳር 2012 ኣብ ከተማ ብራዛቪል – ኮንጎ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብመሰረት ዘሕለፎ ውሳኔታትን ለበዋታትን’ዩ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራውያን ፈደረሽናት ኣባላት ፈጸምቲ ኣካላት ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ፣ ካብ ሓላፊ ሃገራውያን ፈደረሽናትን ኮሚቴ ኦሎምፒክን ኮሎኔል ሰሎሙን ስዩም ናይ ምስጋና ወረቐት ምስክር ተቐቢሎም።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ንዝተኻየደ መስርሕ ምርጫ ፈጸምቲ ኣካላት ሃገራውያን ፈደረሽናትን ኮሚቴ ኦሎምፒክን ዘካየዱ ኣባላት ኣምራጺት ኣካል፣ ካብ ኮሚሽነር ስፖርት ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ናይ ምስጋና ወረቐት ምስክር ተቐቢሎም።

**** ኣ.ዜ.ኤ.****

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...