June 27, 2011

ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ምምሕዳር ኣመሪካ ንመንገዲ ኣየር ኤርትራ ንምትዕንቓፍ ንዝገብሮ ዘሎ ጸቕጥታት ኣቃሊዑ።

ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ምምሕዳር ኣመሪካ ንመንገዲ ኣየር ኤርትራ ንምትዕንቓፍ ንዝገብሮ ዘሎ ጸቕጥታት ኣቃሊዑ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንመንገዲ ኣየር ኤርትራ ብሓድሽ ናይ ፓኪስታናውያን ምሕደራ ብምብጋስ፣ ዜጋታትን ወጻእተኛታትን ካብን ናብን ኤርትራ ብስሉጥነትን ውሕስነትን ዘጋዓዕዛ ነፈርቲ ኣብ ምግዛእን ሊዝ ምግባርን ኣብ ዝሃለወሉ እዋን፣ ከም ኣካል ናይ’ቲ ብስም እገዳ ንኤርትራ ንምጭናቕ ተታሒዙ ዘሎ ናይ ምምሕዳር ኣመሪካ ተጻብኦ፣ ካብ ዝኾነ ሕጋውን ሕልናውን ኣገባባት ወጻኢ፣ ብኢደ ኣዙር ነተን ዘካርያ ኩባንያታት ንኤርትራ ከየካርያ ጸቕጢ ብምግባር ከልኪሉ ከምዘሎ፣ ሓደ ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኤርትራ ገሊጹ።

እዚ ብዝኾነ መጐት ክምኽነ ዘይክእል፣ ንኤርትራ መጓዕዝያ ኣየር ዝኽልክል ተጻብኦ፣ ሕጂ ዝተበገሰ ሓድሽ ከምዘይኮነ ዝሓበረ እቲ በዓል-ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ግን ብፍሉይ – መንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከቡ ዜጋታቱ ናይ ነፈርቲ መጓዓዝያ ንምምችቻእ ተበጊሱሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ “እተን ነፈርቲ ኣብ ወትሃደራዊ መዓላ ክውዕላ ስለዝኽእላ” ብዝብል ኣሽካዕላል ዕንቅፋታት ክፈጥር ይህቅን ምህላዉ ዓጀብ ዘብል ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

“እገዳ ንምኽራር” ሓሶት ናይ ምግፋጥ ዕብድብድ ተዋፊሮም ዘለዉ ተጻባእቲ፣ ንኤርትራ ዘኽስስ ሓቅታት ኣብ ዝሰኣኑሉ እዋን፣ ንዕደና ወርቂ ቢሻ፣ ንመጓዓዝያ ኣየር ኤርትራ፣ ንዕድጊ ኣብ ልምዓት ዝዋፈራ ማሽነሪታት…ወዘተ፣ ምስ’ቲ ብዝኾነ መልክዕ ምትእስሳር ዘይብሉ ጉዳያት እናጠናነጉ፣ ልምዓታዊ ስጕሚ ኤርትራ ከጓትቱ ይህቅኑ ከምዘለዉ ዝጠቐሰ በዓል-ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ዘንቢል ጐሓፍ ዝተኣከበ መኽሰሲታት ወይ ክስታት ነታ ዘይትቕበር ሓቂ ንሓዋሩ ክቕይድ፤ ነታ እናሓደረት እትፈኵስ ሓሶት ድማ ከንግስ ዘይክእል ምዃኑ ብምግላጽ፣ “እዚ በብእዋኑ ንሰማዒኡ ዘስደምም ተግባራት፣ ውጽኢት ጭንቀት’ዩ” ክብል ኣነጺሩ።

******* ኣ.ዜ.ኤ *******

5th YPFDJ Conference in Saudi Arabia concludes

Sixteen years of unbridled violence and defiance

Cabinet of Ministers holds meeting

14th YPFDJ Conference concludes

14th YPFDJ conference in Europe underway

ሓርበኛ ድንጉስ ኣረይ፡ ኣብ መበል 103 ዓመት...