April 12, 2013

ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ንጸሓፍን ተርጓምን ኣቶ ተኪኤ ተስፋይ፣ ናይ ኣበርክቶ ምስክር ወረቐት ሂቡ።

ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ንጸሓፍን ተርጓምን
ኣቶ ተኪኤ ተስፋይ፣ ናይ ኣበርክቶ ምስክር ወረቐት ሂቡ።

ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ንጸሓፍን ተርጓምን ኣቶ ተኪኤ ተስፋይ፣ ናይ ኣበርክቶ ምስክር ወረቐት ሂቡ።ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን፣ ንጸሓፍን ተርጓምን ኣቶ ተኪአ ተስፋይ፣ ኣብ ምምዕባል ቋንቋታት ሃገርና ብሓፈሻ ቋንቋ ትግርኛ ድማ ብፍላይ ንዝገበሮ ኣበርክቶ ዝገልጽ ወረቐት ምስክር ሂቡ።

ነቲ ወረቐት ምስክር፣ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሓን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድ’ዩ፣ ብ11 ሚያዝያ ኣብ ኣዳራሽ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ህግደፍ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ንኣቶ ተኪኤ ኣረኪብዎ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት፣ ሓላፊ ምርምርን ስነዳን ህግደፍ ኣቶ ዘምህረት የውሃንስ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ኣቶ ተኪኤ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ሓያል ጻዕርን ምጽማምን ዝሓትት ምህሮኣዊ ቅያ ምፍጻሙ ጠቒሱ፣ እዚ ድማ ንቋንቋታት ሃገርና ብሓፈሻ ንቋንቋ ትግርኛ ድማ ብቐንዱ ነባሪ ሓወልቲ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

“ኣብቲ እትዓዮ ዓውዲ እምነትን ወኒን እንተዘይሃልዩካ ክትዕወት ዝከኣል ኣይኮነን” ዝበለ ኣቶ ዘምህረት፣ ኣቶ ተኪኤ ዝዓየዮ ስራሕ ናይ ከምዚ ዕዮ ህያው ኣብነት ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣቶ ተኪኤ ተስፋይ ብወገኑ፣ ምድላው መዝገበ-ቃላት ከቢድ’ኳ እንተኾነ፣ ብማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ህግደፍ ዝተገብረሉ ኩሉመዳያዊ ደገፍ ኣብ ዓወት ናይቲ ስራሕ ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ብምሕባር፣ ተመሳሳሊ ዕድላት ንካልኦት ክወሃብን ናብ ቋንቋ ዘተኰሩ ጽሑፋት ክቐርቡን ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።

ደራስን ናይ ታሪኽ ተመራማርን ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ብወገኑ፣ ኣቶ ተኪኤ ነዚ ዓቢ ጻዕርን ትዕግስቲን ዝሓትት ስራሕ ምቕራቡ ኣድናቖቱ ድሕሪ ምግላጽ፣ ብወገኑ ዘዕግብ ኮይኑ ከምዝረኸቦ ሓቢሩ።

**** ኣ.ዜ.ኤ. ****

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...