April 1, 2011

ህዝባዊ ኣገልግሎት ቴክኒክ ሓራት፣ 40 ሓደስትን ዘመናውያንን ኣውቶቡሳት ኣእትዩ።

ህዝባዊ ኣገልግሎት ቴክኒክ ሓራት፣ 40 ሓደስትን ዘመናውያንን ኣውቶቡሳት ኣእትዩ።

ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣገልግሎት መጐዓዝያ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ንምብጻሕን ስሉጥን ምዕቡልን ኣገልግሎት ንምርግጋጽን ክካየድ ዝጸንሐ ሓያል ጻዕሪ፣ ህዝባዊ ኣገልግሎት ቴክኒክ ሓራት 40 ሓደስትን ዘመናውያንን ኣውቶቡሳት ናብ ሃገር ኣእትዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ህዝባዊ ኣገልግሎት ቴክኒክ ሓራት፣ እተን ኣትየን ዘለዋ 40 ኣውቶቡሳት ነፍሲ-ወከፈን 54 ተሳፈርቲ ክጽዕና ዓቕሚ ዘለወን ኮይነን፣ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኩለን ዞባታት ሃገርና ተዘርጊሐን ኣገልግሎት ኪህባ ምዃነን ተፈሊጡ’ሎ።

ህዝባዊ ኣገልግሎት ቴክኒክ ሓራት በብእዋኑ ዘእትወን ዘሎ ሓደስቲ ኣውቶቡሳት፣ ኣብ ምቅላል ሕጽረት መጓዓዝያ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ምቹእነት ናይቲ ኣገልግሎት’ውን ዓቢ ኣበርክቶ’ዩ ዝገብር ዘሎ።

ህዝባዊ ኣገልግሎት ቴክኒክ ሓራት፣ ኣቐዲሙ 50 ዘመናውያን ኣውቶቡሳት ምእታዉ ይፍለጥ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Government of Eritrea sends message of condolences

Southern region 18th regular Assembly meeting

Omhajer-Humera border point re-opened

Senior Eritrean delegation on working visit to...

Eritreans welcome New Year 2019 with enthusiasm

Ambassador Semere Russom presents credentials