August 22, 2011

ህዝቢ ዞባ ደቡብ ንዝሓፈሶ ምህርቲ ብውሕሉል ኣገባብ ስለዝተጠቕመሉ፣ ቀለቡ ከውሕስ ከምዝኸኣለ ሓቢሩ።

ህዝቢ ዞባ ደቡብ ንዝሓፈሶ ምህርቲ ብውሕሉል ኣገባብ ስለዝተጠቕመሉ፣ ቀለቡ ከውሕስ ከምዝኸኣለ ሓቢሩ።

ህዝቢ ዞባ ደቡብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒ ንዝሓፈሶ ብርኵት ምህርቲ ብውሕሉል ኣገባብ ስለዝተጠቕመሉን ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ምህርቲ መስኖኣዊ ልምዓት ስለዝደርዖን፣ ዓመታዊ ቀለቡ ከውሕስ ከምዝኸኣለ ነበርቲ’ቲ ዞባ ሓቢሮም።

“ትኳቦ ካልኦት ዘጸቢ የብልናን” ዝበለ ነባሪ ዝባን ዑና ኣቶ መስፍን ኣባይ፣ ሎሚ ዓመት’ውን ርቡሕ ምህርቲ ንምሕፋስ ብተስፋ ይጽዕሩ ከምዘለው ገሊጹ።

ኣቶ ኪዳነ ኣብርሃ ብወገኑ፣ ከካይድዎ ብዝጸንሑ ማይን ሓመድን ናይ ምዕቃብ ስራሓት፣ ብመስኖኣዊ ኣገባብ ዓመት ምሉእ ሸዊትን ኣሕምልትን ፍረታትን የልምዑ ምህላዎም ኣረዲኡ።

ነባሪ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኣቶ ሓጎስ ብርሃነ ድማ፣ “ሳላ ውሁድ ጻዕሪ መንግስትን ህዝብን፣ ደርቂ ኣይጸልወናን’ዩ’’ ድሕሪ ምባል፣ ኣበርክቶ ዝተዋህለለ ማይ ኣብ ምስሳን እቶት ብግብሪ ይርአ ስለዘሎ፣ ምህናጽ ዲጋታትን ራህያታትን ክቕጽል ተማሕጺኑ።

ነጋዳይ እኽሊ ኣቶ ከሰተ ኣስፍሃ ብግደኡ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዕዳጋታት ብእኽሊ መሊኡ ከም ዘሎ ብምምልካት፣ መሸላ ንኩንታል ካብ 2500 ናብ 1800፣ ስርናይ ካብ 2800 ናብ 2400፣ ዳጉሻ ካብ 2700 ናብ 2400 ዕፉን ድማ ካብ 1900 ናብ 1600 ናቕፋ ከምዝወረደ ኣብሪሁ።

ነባሪት መንደፈራ ወይዘሮ ገነት ቀሺ ሃይለ ብወገና፣ ናይ ዓሚ ምህርቲ ብርኩት ስለዝነበረ፣ ትርፊ ቀለቡ ክሸይጥ እምበር ክሽምት ዝመጽእ ሓረስታይ ዛጊት ከምዘየለ ገሊጻ።

“ጠምዮም ኣለዉ ዝበሃል፣ ንዒቕካ ዝሕለፍ ዘረባ’ዩ’’ ዝበለት ነጋዲት ኣሕምልትን ፍረታትን ወይዘሮ ኣልማዝ እሴት፣ መነባብሮ ህዝቢን ውሕስነት መግብን እናተማሓየሸ ይመጽእ ከምዘሎ’ያ እትሕብር።

ብተመሳሳሊ፣ ነበርቲ ንኡሳን ዞባታት ማይ-ዓይኒ፣ ጸሮና፣ ድባርዋ፣ ዓዲ-ዃላ፣ ሰገነይትን እምኒ-ሓይሊን፣ ቆፎታቶም ምስ እኽሉ ኣብ ትስፉው ክራማትን ሓያል ጻዕርን ከምዝርከቡ ገሊጾም።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Activities of Eritrean Nationals in the Diaspora

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ 2 ቀዳማይ ምዕራፍ፣ ጥልያን...

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ ቀዳማይ ክፋል ህርፋን 1

President Isaias’ speech in connection with the...

Eritrean nationals celebrate Independence Day...

መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ