May 20, 2012

ህዝቢ ኤርትራ ከም ወትሩ ወናኒ ሃገሩን መደባቱን ንክኸውን ተራ መንእሰያት ክዓዝዝ ከምዝግባእ ጸሓፊ ህግደፍ ገሊጹ።

ህዝቢ ኤርትራ ከም ወትሩ ወናኒ ሃገሩን መደባቱን ንክኸውን
ተራ መንእሰያት ክዓዝዝ ከምዝግባእ ጸሓፊ ህግደፍ ገሊጹ።

ህዝቢ ኤርትራ ከም ወትሩ ወናኒ ሃገሩን መደባቱን ንክኸውን ተራ መንእሰያት ክዓዝዝ ከምዝግባእ፣ ጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድስዒድ ምስ ወከልቲ መንእሰያት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ዝተኻየደ ርክብ፣ ኣቶ ኣልኣሚን፣ ኤርትራ ብዘለዋ ስትራተጂካውን ጂኦ-ፖለቲካውን ኣገዳስነት ካብ መበል 16 ክፍለ-ዘመን ኣትሒዛ ብብዙሓት ገዛእቲ እትጥመትን እትባሃግን ምንባራ ጠቒሱ፣ ብኡ መንጽር ድማ ብጥምረቱን ሓያል መኸተኡን ዝልለ ስልጡን ሕብረተሰብ ክትሃንጽ ከምዝበቕዐት ኣነጺሩ።

ኣስዒቡ ኣቶ ኣልኣሚን፣ ገዛእቲ ሓይልታት ዕላማታቶም ንምውቃዕ ነዚ ስኒት ህዝቢ በታቲኖም ኤርትራ ከም ሃገር ንኸይትህሉን ስልጣነን ክብርታትን ህዝባ ንምድምሳስን ዘይፈተንዎ ውዲት ከምዘይነበረ ብምምልካት፣ እዚ ሕጂ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝግበር ዘሎ ፈተነታትን ውዲታትን ድማ መቐጸልታኡ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

“ህዝባዊ ግንባር፣ ንህዝቢ ብሓድነት ኰስኲሱ ንሓደ ዕላማ ብሓባር ከምዝውፈ ስለዝገበረ፣ ኣብ ዓወት በጺሑ” ዝበለ ኣቶ ኣልኣሚን፣ እቲ ኣብ እዋን ሰውራ ዝተሃንጸ ሓድነትን ሃገራውነትን ድማ፣ ሎሚ መሰረት ኩለንትናዊ ህላዌና ብምዃን፣ ንሸርሕታት ጸላእቲ ኣብ ምምካን ዓቢ ተራ ይጻወት ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ግዝያዊ ጸገማት፣ ሓያል ተጻዋርነትን ዓያይነትን መንእሰያት ከምዝፍውሶ ዘመልከተ ኣቶ ኣልኣሚን፣ ዓወት ብስጡም ሓድነትን ተወፋይነትን መንእሰያት ስለዘረጋግጽ፣ መንእሰያት ከም ወትሩ ሓላፍነቶም ክስከሙ ሕድሪ ከምዘለዎም ኣገንዚቡ።

ጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልአሚን መሓመድስዒድ ኣብ መወዳእታ፣ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፣ መንእሰያት ተፈጢሩሎም ንዘሎ ናጻ ናይ ትምህርቲን ስልጠናን ዕድላት ተጠቒሞም፣ ፍልጠትን ሞያን ዓጢቖም ቀጻልነት ናይ’ዛ ሃገር ከውሕሱ ብምልባው፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ቅንያት ናጽነት ተመንዩ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Address By Eritrea’s Foreign Affairs Minister To...

Eritrean community festival in Germany

President Isaias encourages national cycling team

Cabinet of Ministers holds meeting

Senior delegation holds talks with Chad President

Eritrean delegation participates at TICAD...