May 20, 2012

ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ኩሉ ተጻብኦታት ዝተዓወተ፡ ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ስለዝመከተ ምዃኑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ገሊጹ

ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ኩሉ ተጻብኦታት ዝተዓወተ፡ ኣብ መትከሉ ጸኒዑ
ስለዝመከተ ምዃኑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ገሊጹ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብ19 ግንቦት ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዚምባብዌ ሲምባራሸ ሲምባነንዱኩ ንዝተመርሐ ልኡኽ ማሕበረሰብ ልምዓት ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃ – ሳድክ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።
ኣብ’ቲ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዝተገብረ ርክብ፣ ኣብ ምሕያል ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ኣብ ሊለንግወ – ማላዊ ብዛዕባ ዝግበር ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዘተኰረ ምይይጥ ተኻዪዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንኣፍሪቃዊ ሕብረት ንምሕያል ዝተኸስረ ዕድላት ምሕዋይ ከምዝግባእ ብምምልካት፣ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ነዚ ሃንቀውታ ህዝቢ ኣፍሪቃ ንምምላእ ዝቘመ ውድብ ንምሕያል ክጽዕራ፤ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኮይኑ ንዘገልግል ብብቕዓት ክመርጻ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

እቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዚምባብወ ዝተመርሐ – ሰለስተ ሚኒስተራት ዝርከብዎ 10 ዝኣባላቱ ልኡኽ ዞባዊ ውድብ ሳድክ፣ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

*** ኣ.ዜ.ኤ. ***

Eritrean community festival in Germany

President Isaias encourages national cycling team

Cabinet of Ministers holds meeting

Senior delegation holds talks with Chad President

Eritrean delegation participates at TICAD...

National Association of Public Health Founding...