May 21, 2013

ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ዓመታዊ ዘካይዶ ውድድር ማራቶን ናጽነት 2013 ብቐዳም 19 ግንቦት 2013 ኣብ ኣስመራ ኣካይዱ።

ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ዓመታዊ ዘካይዶ
ውድድር ማራቶን ናጽነት 2013 ብቐዳም 19 ግንቦት
2013 ኣብ ኣስመራ ኣካይዱ።

ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ዓመታዊ ዘካይዶ  ውድድር ማራቶን ናጽነት 2013 ብቐዳም 19 ግንቦት  2013 ኣብ ኣስመራ ኣካይዱ።ኣብቲ ካብ ዞባታትን ክለባትን ዝተዋጽኡ 42 ኦሊምፒካውያን ኣትሌታት ዝርከብዎም ተወዳደርቲ ዝተሳተፍዎ ዓመታዊ ውድድር ተወዳደርቲ ኣትሌታት በቲ ፈደረሽን ዝተዳለወ ኣተባባዒ ሽልማትን ንዝጸንሐ ሰዓት ንዘመሓየሸ ዝወሃብ ተወሳኺ ጉንዖን ንምዕታር ሓያል ውድድር’ኳ እንተካየዱ ነቲ ዓሚ ዝተመዝገበ ሪከርድ ከመሓይሹ ኣይከኣሉን፣ ኣብ መዛዘሚ ብዝተረኽበ ውጽኢት ድማ፣-

1ይ- ተስፋሂወት ገ/ትንሳኤ ብ 2.23.13 ሰዓት ካብ ሚኒ/ምክልኻል
2ይ- ገብሪት ወረደ ብ 2.24.01 ሰዓት ካብ ማእከል
3ይ- ኣብርሃም ተወልደ ብ 2.24.23 ሰዓት ካብ ማእከል
4ይ- ሰመረኣብ ዮውሃንስ ብ 2.25.06 ሰዓት ካብ ማእከል
5ይ- መሓሪ ርእሶም ብ 2.25.47 ሰዓት ካብ ጋ/ባርካ
6ይ- ፍረዝጊ መኮንን ብ 2.27.27 ሰዓት ካብ ሚኒ/ምክልኻል ብምዃን ተዓዊቶም።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ውድድር ድም ዕዉታት ዝተዳለወሎም ናይ ዋንጫን ሜዳልያን ከምኡ’ውን ናይ 15፣ 10፣ 8፣ 7፣6 ን ሓሙሽተ ሽሕ ገንዘባዊ ሽልማት ካብ ሓላፊ ምም/ፋይ/ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ሌ/ኮ. ሳሙኤል ጸጋይን ሓለፍትቲ’ቲ ሃገራዊ ፈደረሽንን ተቐቢሎም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቲ ሃገራዊ ፈደረሽን ብቀዳም 18 ግንቦት 2013 ኣብ ሜዳ ቤ/ት. ቀይሕ-ባሕሪ ህጻናት ተማሃሮን መንእሰያት ኣትሌታትን ዝተሳተፍዎ ዝተፈላለየ ውድድራት ብምክያድ ዓለማዊ መዓልቲ ውድድር ኣትሌቲክስ 2013 ( World Athletics Day ) ዘኪርዎ ውዒሉ፣ ኣብ መዛዘሚ’ቲ ኣጋጣሚ ድማ ንዕዉታት ህጻናትን ኣትሌታትን ካብ ያፍ(iaaf) ዝተላእከ ማልያታትን ምስክር ወረቐት ተሳታፍነትን ተዓዲሉ።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...