July 18, 2011

ሃገራዊ ፈስቲቫል 2011 ንምስታፍ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ይኣትዉ ኣለዉ።

ልዑል ምድላዋት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2011 ንምስታፍ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ኵርንዓት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራዊያን ብብዝሒ ናብ ሃገሮም ይኣትዉ ኣለዉ።

እቶም ዜጋታት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተውሉ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ቀንዲ መምጺኢኦም ምስ ስድራ-ቤቶምን ህዝቦምን ንምርኻብ ኣብቲ ሃገራዊ ንግደት ዝኾነ ፈስቲቫል ንምስታፍ፣ ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ሃገር ዝሰላሰሉ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ልምዓታዊ መደባት ብኣካል ንምዕዛብን ምዃኑ ኣረዲኦም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ በዓላት ንምስታፍ ብቀጻሊ ከም ዝመጹ ዝሓበሩ ካብ ሱዑዲ ዓረብ ኣቶ ኣድም ፋሃድ፣ ምስ ስድራ-ቤታ ዝኣተወት ወይዘሮ ኣመተ ተስፋንኪኤል፣ ከምኡ’ውን ካብ ካሊፎርንያ ኣቶ ቴድሮስ ሓድሽ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶታት፣ ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራት ዝንጸባረቐሉ፣ ገስጋስን ደረጃ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብን ጎሊሑ ዝረኣየሉ፣ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ብዕድመ ዝደፍኡ ዝተሳተፍዎ ፈስቲቫል፣ ባህሊ፣ መንነትን ታሪኽን ኣብ ምምሕልላፍን ወለዶታት ኣብ ምምልማልን ዓቢ ግደ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

ንሳቶም ኣስዒቦም፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ናይ መኸተን ዕማም ልምዓታዊ መደባትን ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ’ውን ብድሆታት ንምፍሻልን ሃገር ንምብልጻግን ብስጡም ሓድነትን ልዑል ሃገራዊ ወኒን ይዋሳእ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ዝጭበጥ ዘሎ ዓወታት ብምዕቓብ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ብልጽግና ንምብጻሕ ውህደቶም ዝያዳ ከምዘትርሩ ኣብሪሆም።

ካብ ቐጠር፣ ሪያድን ኣመሪካን ዝመጹ ዜጋታት ብወገኖም ንጉዕዞ 20 ዓመት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ካብ ዜሮ ብምብጋስ ኣብ ኣዚዩ ሓጺር ዓመታት ድልዱል መሰረት ልምዓት ክብጻሕ ምኽኣሉ ንናይ ምግባር ዓቕሚ ህዝብን መንግስትን ዘነጽርን ንብሩህ መጻኢ ዝእምትን ምዃኑ ጠቒሶም፣ ከም ዝሓለፈ ድሙቕ በዓል ናጽነት ኤርትራ ምዕሩግ ፈስቲቫል ከስተማቕሩ ዘለዎም ልዑል እምነት ገሊጾም።

ዋሕዚ ናይዞም ካብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ናብ ሃገሮም ዝኣትዉ ዘለዉ ዜጋታት ቀጻሊ ኮይኑ፣ ብ15 ሓምለ ጥራይ ብመንገዲ ኣየር የመን፣ ሉፍታንዛን ግብጽን ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ኣቲዮም ኣለዉ።

*****ኣ.ዜ.ኤ*****

President Isaias met and held talks with Crown...

Agreement on Peace, Friendship and Comprehensive...

Meeting of Presidents Isaias Afwerki and Ismail...

President Isaias met and held talks with Crown...

Eritrean Delegation led by Mr. Abdelkadir Hamdan...

الملك سلمان يرعى اتفاقية السلام بين إريتريا...