November 11, 2012

ሃገራዊ ውድድር ኣትሌቲክስ ትራክን ፊልድን መንእሰያት ይካየድ ኣሎ

ሃገራዊ ውድድር ኣትሌቲክስ ትራክን ፊልድን መንእሰያት ይካየድ ኣሎ

ብድራር ፍሰሃየ
ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ናይ ዓመተ 2012 ሃገራዊ ውድድር ትራክን ፊልድን መንእሰያት ኣትሌታት ( 2012 National Youth Track & Field Championship ) ካብ 9 ሕዳር 2012 ጀሚሩ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ የካይድ ኣሎ።

ኣብዚ ትማሊ ዓርቢ ዝጀመረ ካብ ኩለን ዞባታት ( ብዘይካ ዞባ ደቡባዊ-ቀይሕ-ባሕሪ) ዝተዋጽኡ 89 ደቀንስትዮ ዝርከባኦም ኣስታት 200 ኣትሌታትን 67 ኣለይቲን ይሳተፉ ኣለዉ፣ ኣብዚ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝፍለ ዝበዝሑ ሓደስቲ ጀመርቲ ኣትሌታት ዝሳተፉሉ ዘለዉ ሃገራዊ ውድድር ሓያለ ናይ መጻረዪ ውድድራት ክካየዱ እንከለዉ ናይ 1500ሜ. ውድድር ግን ናይ ፍጻሜ ውድድር ተኻይዱ፣፣ ኣብዚ ብክልቲኡ ጾታታት ኣትሌታት ዞባ ማእከል ጸብለል ዝበሉሉ ውድድር፣-

ካብ ደቂተባዕትዮ፣-
1ይ- ቴድሮስ ኣማኑኤል – ማእከል ብ 4፣07፣45 ደቒቕ
2ይ- ብርሃነ ኣማኑኤል – ደቡብ ብ 4፣07፣99 ደቒቕ
3ይ- ሜሮን ተኽለኣብ – ማእከል ብ 4፣12፣90 ደቒቕ

ካብ ደቀንስትዮ፣-

1ይቲ- ዊንታ መኮንን – ማእከል ብ 4፣49.31 ደቒቕ
2ይቲ- ኣድያም ዘርኣይ – ደቡብ ብ 4፣57፣90 ደቒቕ
3ይቲ- ዘቢብ ወ/ሚካኤል – ማእከል ብ 5፣03.87 ደቒቕ ተዓወትቲ ኮይኖም፣ እዚ ሃገራዊ ውድድር ቀዳም 10 ሕዳር 2012 ናይ 100ሜ፣ 400ሜ. ከምኡ’ውን ናይ 3000 ሜ. ናይ ደቀንስትዮ ናይ ፍጻሜ ውድድራትን ካልእ ናይ መጻረዪ ውድድራት ድሕሪ ምእንጋዱ ሰንበት 11 ሕዳር 2012 ክዛዘም ምዃኑ ዝወጸ መደብ ውድድር’ቲ ሃገራዊ ፈደረሽን ይሕብር።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

Eritrean community festival in Germany

President Isaias encourages national cycling team

Cabinet of Ministers holds meeting

Senior delegation holds talks with Chad President

Eritrean delegation participates at TICAD...

National Association of Public Health Founding...