January 29, 2013

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፣ ኣብ ዓመተ 2012 ክትግበሩ ካብ ዝወጠኖም መደባት እቶም ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ከምእተሰላሰሉ ገሊጹ።

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፣ ኣብ ዓመተ 2012 ክትግበሩ
ካብ ዝወጠኖም መደባት እቶም ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ከምእተሰላሰሉ ገሊጹ።

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፣ ኣብ ዓመተ 2012 ክትግበሩ ካብ ዝወጠኖም መደባት እቶም ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ከምእተሰላሰሉ ገሊጹ።

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኲላን ኲናት ኤርትራ፣ ኣብ ዓመተ 2012 ንትግባረ ካብ ዘበገሶም መደባት ስራሕ ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ብጽቡቕ ከምእተሳለጡ፣ ማእከላይ ባይቶ’ቲ ማሕበር ብ25 ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ኣኼባ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፣ ስንኩላን ነብሶም ንምኽኣል ዝሕግዙ ብኣስታት 18 ሚልዮን ናቕፋ 1,105 ዓበይትን ንኣሽቱን ፕሮጀክታት ከምእተተግበሩ፤ 681 ኣባላት ድማ ተጠቀምቲ መደብ ውህለላን ልቓሕን ከምዝኾኑ ክጥቀስ እንከሎ፣ ዓቕሚ ኣባላት ንምዕባይን መነባብሮኦም ንምምሕያሽን ብመልክዕ ልቓሕ ናብ ኣባላት ተዘርጊሑ ዘሎ ገንዘብ ኣብ ምምላስ ግን ብዙሕ ስራሕ ከምዘድሊ በሪሁ።

ማእከላይ ባይቶ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፣ ስንኩላን ንምጥያስ ናይ ዝተዓመ ስራሕ ጽማቝ ጸብጻብ ድሕሪ ምስማዕ፣ ዕዳ ዘለወን ትካላት ተወዲበን ክሰርሓሉ ዘኽእል ባይታ ንምፋጣር ዘድሊ ስልጠናን ምኽርን ክወሃብ፤ ንሰብ ካሮሳታት ኣብ ዝተዋህበ ልቓሕ ክሳብ ሕጂ ዘተባብዕ ኣገባብ ኣከፋፍላ ክርአ ብዘይምጽንሑ፣ ማሕበር ተሪፉ ንዘሎ ንምምላስ ጀሚርዎ ዘሎ ዕዩ ብዝለዓለ ክቕጽሎ ኣዘኻኺሩ።

ኣኼበኛታት፣ ስንኩላን ተዋፊሮምሉ ኣብ ዘለው መደባት ስራሕ ዕውታት ኮይኖም ንኽወጹ ዝሕግዝ ኣብ ስለስተ ዞባታት ዝተዋህበ ስልጠናታት ብዝለዓለ ክቕጽል፤ ዘሎ ጽበት ኣብያተ-ጽሕፈት ፍታሕ ክናደየሉ፤ ኣብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ተጀሚሩ ዘሎ ንጥፈታት ምዝርጋሕ መርበብ ሓበሬታ ክቀላጠፍ፤ ዛጊት ከም’ቲ ዝድለ ውጽኢት ዘይተረኽቦ መፍረ ንህቢ ንምድንፋዕ ጻዕሪ ክካየድ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ሂቦም።

ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኲላን ኲናት ኤርትራ መምህር ገብረብርሃን እያሱ ኣብ መወዳእታ፣ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ጥሙር ጸብጻብ ማሕበር ምድላው፤ ን4ይ ጉባኤ ምድላዋት ምግባር፤ ሓደስቲ ፕሮጀክታት ምጽናዕ፤ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ጥዕናዊ መርመራታት ምክያድ፤ መነባብሮ ስንኩላን ንምምሕያሽ ዝተኻየደ ኣማራጺታት ዝግምግም ሰነድ ምድላው፤ ከምኡ’ውን ኣብ ባረንቱን ተሰነይን ኣብያተ-ጽሕፈት ምህናጽ ዘጠቓልል ንድፊ ዓመታዊ መደብ ስራሕ 2013 ኣቕሪቡ።

**** ኣ.ዜ.ኤ. ****

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...