January 15, 2014

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ውድድር ዙር ጋቦን 2014

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ውድድር ዙር ጋቦን 2014

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ውድድር ዙር ጋቦን 2014

ብድራር ፍሰሃየ
ካብ 13 ጥሪ 2013 ጀሚሩ ኣብ ጋቦን ይካየድ ኣብ ዘሎ ዓመታዊ ቅድድም ብሽክለታ እትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ካላኣይ መድረኽ ውድድር ዝነኣድ ውጽኢት ኣመዝጊባ።

ኣብቲ 120 ኪ/ሜ ዝሸፈነ ናይ ካልኣይ መኣልቲ ውድድር ተቐዳዳማይ ሜሮን ኣማኑኤል 5ይ ደረጃ ከምኡ’ውን መትከል ኢዮብ ሻምናይ ደረጃ ብምሓዝ ምስ ብሉጻት ኣሰርተ ተቐዳደምቲ ተሰሪዖም ውድድሮም ክፍጽሙ እንከለዉ፣ ተስፎም ዑቕባማርያም መበል 21፣ ክንድሽሕ ደበሳይ መበል 27፣ ኣማኑኤል ገ/ሔ መበል 31 ሜሮን ተሾመ ድማ መበል 71 ደረጃ ተሰሪዖም ውድድሮም ዛዚሞም።

ብሰኑይ 13 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 149 ኪ/ሜ. ቅድድም መትከል ኢዮብ 14፣ ክንድሽሕ ደበሳይ 18፣ ሜሮን ተሾመ 23፣ ሜሮን ኣማኡኤል 24፣ ተስፎም ዑባማርያም 37 ከምኡ’ውን ኣማንኤል ገ/ሔ መበል 78 ደረጃታት ተሰሪዖም ኢዮም ውድድሮም ፈጽሞም። ኣብ ናይ ክልቲኡ መድረኻት ውድድር ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ፈረንሳዊት ክለብ ዩርፕ-ካር ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ሳልሳይ ደረጃታት ብምሓዝ ውድድሩ ብምፍጻሙ ልዑል ኣድናቖት ክረክብ ክኢሉ ኣሎ።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

ኮንፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ
ንኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል ሸሊሙ

ብድራር ፍሰሃየ
ኮንፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ( CAC) ኣብ ዓመተ 2012 ከምኡ’ውን 2013 ኣብ ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውድድራት ሻምፕዮና ኣፍሪቃ (African continental Championship’s) ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ መሪሑ ዝነኣድ ብቕዓትን ብሉጽ ውጽኢትን ክትዓትር ዕዙዝ ኣበርክቶ ንዝገበረ ኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል ናይ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ናይ ኣሰልጣንነት ሽልማት ( Africa’s Distinguished Coach Award ) ምሃቡ ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ሓቢሩ።

እቲ ኮንፈደረሽን ነዚ ዝገለጸ ብመንገዲ ፕረዚደንቱን ምክትል ፕረዚደንት ዓለማዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ( u.c.i)ን ዶ/ር. ወጊሕ ዓዛም ብ 22 ታሕሳስ 2013 ኣብ ዝለኣኾ ወግዓዊ ወረቐት ምስክር’ዩ። ኮንፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ነዚ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዘለዎ ሽልማት’ዚ ንኤርትራ ምሃቡ ነቲ ተቐዳደምትና ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ከመስክርዎ ብዝጸንሑ ብቕዓትን ተደራራቢ ዓወታትት ርኡይ ዕቤት ከመዝግብ ዝጸንሐ ደረጃ ቅድድም ብሽክለታ ሃገርና ተወሳኺ ድርኺት ዝህብ ኣጋጣሚ ምዃኑ ዘመልከተ ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ እዚ ክብር’ዚ ነቶም ተካእቲ ተቐዳደምቲ ብብዝሒን ዓይነትን ኣብ ምፍራይ ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘለዉ ኣሰልጠንቲ ዓቢ ሞራላዊ ፍናን ዝህብ ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ 2012 ንሕርይቲ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ኣልዩ ኣብ ዙር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተሳተፈ ኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል ኣብ 2012 ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝተኣንገደ ከምኡ’ውን ዝሓለፈ ሕዳር 2013 ምስሪ ኣብ ዝተእንገደ ውድድራት ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ንሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ መሪሑ ተኸታታሊ ዓወት ምምዝጋቡ ዝዝከር’ዩ።

Enigmatic Eritrea: Engagement, Investment &...

High Level Achievements in the Annual Health...

26th Independence – Messages of Congratulations...

26th Independence – Messages of Congratulations...

26th Independence – Messages of Congratulations...

26th Independence – Messages of...