March 14, 2014

ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮና ጉያ መሮር ኣፍሪቃ 2014

ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮና ጉያ መሮር ኣፍሪቃ 2014

by Drar Fessahaye| ሰንበት 16 መጋቢት 2014 ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝካየድ 3ይ ሻምፕዮና ውድድር ጉያ መሮር ኣፍሪቃ ኣትሳተፍ ሃ/ጋ/ኣትሌቲክስ ኤርትራ ብሓሙስ 13 መጋቢት ናብ ካምፓላ ኣምሪሓ።

እዛ ብኣሰልጠንቲ በርሀ ኣስገዶምን ሸዊት ተስፋገብርኤልን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ጉያ መሮር ኣብቲ ኣህጉራዊ ውድድር ሽዱሽተ ደቀንስትዮ ዝርከባኦም 16 ኣትሌታት ከተሳትፍ’ያ። ዝሓለፈ 23 ለካቲት 2014 ኣብ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ውድድር ብሉጽ ውጽኢት ንዘምጽኡ ኣትሌታት ጠርኒፋ ብሓደ ልምምዳታ ከተካይድ ዝጸንሐት እዛ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮ ውድድር ብዓበይቲን መንእሰያትን ሓሓሙሽተ ኣትሌታት ከተሳትፍ እንከላ ኣብ ናይ ደቀንስትዮ ውድድር ድማ ክልተ ኣትሌታት ኣብ ውድድር ሲንየር ከምኡ’ውን 4 ኣትሌታት ኣብ ውድድር ጁንየር ከተወዳድር ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብዚ ኣትሌታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ልዑል ተወዳዳርነትን ዓብላልነትን ከራዩሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣህጉራዊ ውድድር ካብ ሃ/ጋ/ኤርትራ ከም ምሉእ ዓንዶም፡ ፔትሮ ማሞ፡ ኣብራር ዑስማንን ከምኡ’ውን ካብ ደቀንስትዮ ከም ናዝሬት ወልዱን ወይኒ ቀላቲን ዝኣመሰሉ ምኩራትን ካልኦት ሓደስቲ ትስፉዋት ኣትሌታትን ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወድዮም ዝነኣድ ተወዳዳርነት ከርእዩ ትጽቢት ይግበር።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

መኽሰብ ደበሳይ ተዓዋቲ ዙር ኣልጄርያ 2014 ኮይኑ

by Dirar Fessahaye | ካብ 8-13 መጋቢት 2014 ኣብ ኣልጄርያ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ኣህጉራዊ ውድድር ብሽክለታ ኤርትራዊ መኽሰብ ደበሳይ ጎብለል ብምዃን ብጫ ናይ ክብሪ ማልያ ክጭብጥ በቒዑ።

ተቐዳዳማይ መኽሰብ ደበሳይ ድሕር’ቲ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ዘመዝገቦ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ዓወት ዘንጸፎ ካልኢታት ዓቂቡ ውድድሩ ክዛዝም ብምብቅዑ’ዩ ነታ ናይ ክብሪ ብጫ ማልያ ኵንና ዝኸኣለ። ትስፍዋት ተካእቲ መንእሰያት ብምስላፍ ብኣሰልጣኒ ሙሉጌታ ሰመረ ተመሪሓ ኣብቲ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር ዙር ኣልጄርያ ዝነኣድ ተወዳዳርነትን ውጽኢትን ዘመዝገበት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ናይ ዓቐብን ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ውድድርን ብዘመዝገበቶ ውጽኢት ካብ ሓያሎ ተሳተፍቲ’ቲ ውድድር ዝኾና ሃገራት ኣድናቖት ክትረክብ ክኢላ ኣላ።

ሎሚ ዓመት ሓያሎ መድረኻትን ዝተፈላለየ ደረጃታትን ዘጠቓልል ዝተፈላለየ ውድድራት ሰሪዓ እትርከብ ኣልጄርያ ዓርቢ 14 መጋቢት 2014 ናይ ሓደ መዓልቲ ዕረፍቲ ብምግባር ዘዳለወቶ ውድድራት ክትቅጽሎ ብምዃና ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 29 መጋቢት 2014 ዝዛዘም ውድድራት ተጸሚዳ ክትቅኒ ምዃና ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

Enigmatic Eritrea: Engagement, Investment &...

High Level Achievements in the Annual Health...

26th Independence – Messages of Congratulations...

26th Independence – Messages of Congratulations...

26th Independence – Messages of Congratulations...

26th Independence – Messages of...