October 3, 2013

ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ናብ ሃገራ ተመሊሳ

ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ
ኤርትራ ናብ ሃገራ ተመሊሳ

ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ናብ ሃገራ ተመሊሳብድራር ፍሰሃየ
ካብ 20-29 መስከረም 2013 ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ተሳቲፋ ዝምስገን ተወዳዳርነት ዘርኣየት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ብረቡዕ 3 ጥቅምቲ 2013 ናብ ሃገራ ተመሊሳ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን ሓለፍቲ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ንኩሎም ኣባላታ ኣኽሊል ዕንባባ ብምብርካት ምዉቕ ኣቀባብላ ጌይሮምላ። ኣብቲ ኣብ ኢጣልያ ዝተኻየደ ዓለማዊ ቅድድም ኣብ ናይ ጊዜ ክሮኖሜተርን ናይ ጽርግያ ውድድርን ብመንእሰያት፣ ብናይ ትሕቲ 23 ከምኡ’ውን ብናይ ዓበይቲ ተቐዳደምቲ ዝተሳተፈት ኤርትራ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ውድድር ዝነኣድ ተወዳዳርነት ከተርኢ ኣብ ርእሲ ምኽኣላ ብውልቂ ተቐዳደምቲ ሜሮን ተሾመን መርሃዊ ቁዱስን ብሉጽ ብቕዓት ብምርኣይ ስሞምን ስም ሃገሮምን ከጸውዑ ክኢሎም እዮም።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ሙሴ ኣስሄል እታ ሃገራዊት ጋንታ ንዘካየደቶ ውድድራታ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እቲ ውድድር ሓያላት ተቐዳደምቲ ዓለም ዝተሳተፉሉ ምንባሩ ብምጥቃስ ተቐዳደምቲ ዝነኣድ ተሳታፍነት ብምርኣይ ንመጻኢ ኣብ ዝካየዱ ዓለማዊ ቅድድማት ተወዳደርቲ ኮይኖም ዝቐርቡሉ ተመኩሮ ጸወታ ቐሲሞም ምምላሶም ገሊጹ።

ኣስመራ፣ ከተማ ሕልምታት – Asmara: City of Dreams

Föderation für Weltfrieden – Universal...

President Isaias Holds Talks with PRC Communist...

Celebration & Forum held in Vienna Austria on...

ኣስመራ፣ ከተማ ሕልምታት – Asmara: City of Dreams

New Agricultural Laboratory inaugurated