January 10, 2013

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ናብ ጋቦን ኣምሪሓ።

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ
ኤርትራ ናብ ጋቦን ኣምሪሓ።

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ናብ ጋቦን ኣምሪሓ።
ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ካብ 14 ክሳብ 20 ጥሪ ኣብ ዝካየድ ዙር ጋቦን ንምስታፍ ካብ 23 ታሕሳስ ጀሚራ ብሓባር ብምጥርናፍ ልምምድ ከተካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ናብ’ታ ሃገር ገይሻ።

እዛ ብኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል እትእለ ሃገራዊት ጋንታ፣ ብምሉኦም ኣባላታ ትሕቲ 23 ዓመት ዝዕድመኦም መንእሰያት ኮይኖም፣ ተቐዳደምቲ ሜሮን ኣማኒኤል፣ ሜሮን ተሾመ፣ ተስፎም ዑቕባማርያም፣ መርሃዊ ቅዱስ፣ መኽሰብ ደበሳይን ተቐዳዳማይ ክለብ ኤም.ቲ.ኤን ተስፋይ ኣብርሃን ሓቚፋ ትርከብ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ጋቦን፣ ተቐዳደምቲ ሜሮን ርእሶምን ጃኒ ተወልደን ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ፕሮፈሽናል ክለብ ኤም.ቲ.ኤን፤ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ብርሃነ ድማ ምስ ፈረንሳዊት ክለብ ዩሮፕ-ካር ተሰሊፎም ከምዝወዳደሩ ክፍለጥ እንከሎ፣ ተቐዳዳማይ ክለብ ኤም.ቲ.ኤን ፍረቓልሲ ደበሳይ ኣብ ኢጣልያ፣ ተቐዳዳማይ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ድማ ምስ ኣውስትራልያዊት ጋንትኡ ክለብ ኦሪካ-ግሪኔጅ ብምዃን ኣብ ካልእ ውድድራት ክሳተፉ ስለዝኾኑ ክትከስሮም’ያ።

ኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል፣ መንእሰያት ኣባላት’ዛ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ጽቡቕ ቍመና ከምዘለዉ ብምሕባር፣ ኣብ’ዚ ውድድር ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ሕልፊ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ነጥቢ ብምውህላል ናብ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ዘእቱ ዕድል ምርካብ፣ እቲ ቀዳማይ ዕላማ ናይ’ዛ ሃገራዊት ጋንታ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ብርሃነ ሽልማት ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ 2012 ድሕሪ ምርካቡ ዝካየድ ሻምናይ ዙር ጋቦን፣ ተቐዳደምቲ ብጠቕላላ 944 ኪሎሜተር ርሕቀት ክሽፍኑ’ዮም። እዚ ድማ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት 283 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ተወሲኽዎ’ሎ። ንፈለማ እዋን ኣብ ክልተ ሃገራት ክካየድ ተወጢኑ ብምህላዉ ድማ፣ ተቐዳደምቲ ብ15 ጥሪ ኣብ ርእሰ-ከተማ ካሜሩን – ያውንደ ናይ ጽርግያ ውድድር ከካይዱ’ዮም።

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ውድድራት ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ዙር ጋቦን፣ ሎሚ ዓመት ካብ 21 ጋንታታት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 90 ተቐዳደምቲ ክሳተፉዎ ትጽቢት ኣሎ። ኣብ ታሪኽ’ዚ ውድድር ዝኾነ ኣፍሪቃዊ ተቐዳደማይ ተዓዊቱ ኣይፈልጥን።

ዝሓለፈ ዓመት ንክልተ መዓልታት ብጫ ማልያ ዝወደየ ኤርትራዊ ሜሮን ርእሶም፣ ካብ ፈንሳዊ ኣንቶንዮ ቻሪቶ ብሸሞንተ ካልኢታት ጥራይ ደንጉዩ ካልኣይ ደረጃ ከምዝሓዘ ዝፍለጥ’ዩ።

ተቐዳደምቲ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፣ ናትናኤል ብርሃነን ሞሮካዊ ጣሪቕ ጫፊን ኣብ ዙር ጋቦን ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ፍሉይ ታሪኽ ሰኒዶም ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ’ዮም።

******* ኣ.ዜ.ኤ ******

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...