March 13, 2014

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ዙር ኣልጄርያ ዓወት ተመዝግብ

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ
ኣብ ዙር ኣልጄርያ ዓወት ተመዝግብ

 ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ዙር ኣልጄርያ ዓወት ተመዝግብብድራር ፍሰሃየ- ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መኽሰብ ደበሳይ ብ 12 መጋቢት 2014 ኣብ ዝተኻየደ 4ይ መድረኽ ቅድድም ዙር ኣልጄርያ ቀዳማይ ብምውጻኣ ኣገዳሲ ዓወት ብምምዝጋብ ብጫ ናይ ክብሪ ማልያ ክጭብጥ ክኢሉ።

ኣብቲ ተቐዳዳማይ መኽሰብ ደበሳይ ልዑል ብቕዓት ዘርኣየሉ ውድድር ነቲ ኣቀዲሙ ብጫ ማልያ ወድዩ ዝነበረ ሞሮካዊ ተቐዳዳማይ ኣገዳሲ ደቓይቕ ክኸስበሉ ብምኽኣሉ ብጫ ናይ ክብሪ ማልያ ክወዲ በቒዑ ኣሎ። ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፉ ኣባላት ሃ/ጋ/ኤርትራ ኣማኑኤል ገ/ሔር 3ይ፣ በረኸት የማነ ድማ 10 ደረጃ ብምሓዝ ኣብ ዓወት ሃ/ጋ/ኤርትራ ልዑል ተራ’ዮም ተጻዊቶም። ተቐዳዳማይ መኽሰብ ደበሳይ ሓሙስ 13 መጋቢት 2014 ኣብ ዝዛዘም ውድድር ድማ ኣንጺፍዎ ዘሎ ናይ 52 ካልኢት ፍልልይ ምስዝዕቅብ ዕዉት ዙር ኣልጄርያ ክኸውን ክኽእል’ዩ። ኣብ 2012 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዙር ኣልጄርያ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ብርሃነ ጎብለል ናይቲ ውድድር ብምዃን ብጫ ናይ ክብሪ ማልያ ምውናኑ ዝዝከር’ዩ።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

Interview with President Isaias Afwerki

President Isaias Leaves for Egypt

Mohamed bin Zayed receives President of Eritrea

Eritrea 2017 in Review  – Part I

President Isaias Receives Credentials of Six...

الإيقاد .. الوجه الآخر للنظام الإثيوبى .. هل...