March 11, 2014

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ዙር ኣልጀርያ 2014

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ
ኣብ ዙር ኣልጀርያ 2014

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ዙር ኣልጀርያ 2014

ብድራር ፍሰሃየ : ብኣሰልጣኒ ሙሉጌታ ሰመረ እናተኣለየት ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ኣሰሊፋ ኣብ ኣልጀርያ ይካየድ ኣብ ዘሎ ኣህጉራዊ ቅድድም እትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝነኣድ ውጽኢት ኣብ ምምዝጋብ ትርከብ ኣላ።

ኣብቲ ብሰንበት 9 መጋቢት 2014 ኣብ ዝተኻየደ ናይ 112.5 ኪ/ሜ ውድድር ተቐዳዳማይ መኽሰብ ደበሳይ ኣብ ናይ ካልኣይ መድረኽ ውድድር 2ይ ደረጃ ክወጽእ እንከሎ፡ ዮናስ ተኸስተ መበል 11፡ ኣሮን ደብረጽዮን 16፡ ኣማኑኤል ገ/ሔር ድማ 19 ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ምስ ቀዳሞት 20 ተጻወትቲ ብምዝዛም ዝነኣድ ውጽኢት ኣመዝጊቦም። ኣቐዲሙ ብቀዳም 8 መጋቢት 2014 ኣብ ዝተኻተደ ናይ 96 ኪ/ሜ መኽፈቲ ውድድር ዮናስ ተኸስተ 5ይ፡ መኽሰብ ደበሳይ ድማ ሻውዓይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ምዝዛሞም ዝዝከር ኢዩ።

ናይ ሎሚ ዓመት ኣህጉራዊ ውድድር ዙር ኣልጀርያ ክሳብ 29 መጋቢት ዝቕጽል ሓያለ መድረኻት ዘለዎ ውድድር ሰሪዑ ምህላዉ ይፍለጥ።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

Witness some of themost unique & fabulous...

Press Statement – Eritrea Festival 22-23...

ፌስትቫል ኤርትራ ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ...

ኣስመራ፣ ከተማ ሕልምታት – Asmara: City of Dreams

Föderation für Weltfrieden – Universal...

President Isaias Holds Talks with PRC Communist...