January 22, 2014

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ናይ ዙር ጋቦን ውድድራ ፈጺማ

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ
ናይ ዙር ጋቦን ውድድራ ፈጺማ

  ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ናይ ዙር ጋቦን ውድድራ ፈጺማብድራር ፍሰሃየ
ካብ 13-19 ጥሪ 2014 ኣብ ጋቦን ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ብ Latropicale Amissa Bongo ኣብ ዝጽዋዕ ኣህጉራዊ ቕድድም ክትሳተፍ ዝቐነየት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ውድድራ ዛዚማ።

ኣብቲ 5 ፕሮፌሽናል ኤውሮጳውያን ጋንታታትን 8 ሃገራት ኣፍሪቓን ዝተሳተፋሉን ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ፈረንሳዊት ክለብ Europcar ናትናኤል ብርሃነ ጎብለል ዝኾነሉን ሓያል ውድድር ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንፕሮፌሽናል ጋንታታት ፈረንሳ፣ ቤልጁም፣ ስጳኛን፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃ/ጋ/ሞሮኮን ስዒባ ሻድሻይ ደረጃ ሒዛ ውድድራ ክትዛዝም እንከላ ብድምር ውጸኢት ተቐዳዳማይ መትከል ኢዮብ መበል13፣ ክንድሽሕ ደበሳይ መበል 20፣ ሜሮን ተሸመ መበል 25 ተስፎም ዑቕበማርያም መበል 29፣ ኣማኑኤል ገ/ሄር መበል 30 ከምኡ’ውን ሜሮን ኣማኑኤል መበል 35 ደረጃታት ተሰሪዖም ውድድሮም ዛዚሞም።

ብዘይካ’ዚ ተቐዳዳማይ መትከል ኢዮብ ኣብቲ ውድድር ካብ ዝተሳተፉ መንእሰያት (YOUNG RIDERS) ብድምር ውጺኢት ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ናብ ናይ ሽልማት መድረክኽ ክድይብ እንከሎ ኣብ ናይ ዓቐብ ውድድር’ውን ንተቐዳዳማይ ክንድሽሕ ደበሳይ ስዒቡ ሓምሻይ ደረጃ ክስራዕ ክኢሉ’ዩ። ኣብዚ ናይ ጋቦን ዙር ዝነኣድ ተወዳዳርነት ዘንጸባረቐት ሃግራዊት ጋንታ ኢርትራ 26 ጥሪ 2014 ናብ ሃገራ ክትምለስ ትጽቢት ይግበረላ።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...

Eritrean community festival in Qatar

Eritrea’s energy shortfall in supply, almost...