September 24, 2013

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ናብ ኢጣልያ ኣምሪሓ

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ
ናብ ኢጣልያ ኣምሪሓ

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ናብ ኢጣልያ ኣምሪሓ

by Dirar Fessahaye
ኣብ ቶስካና (ኢጣልያ) ኣብ ዝካየድ ዓለማዊ ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ 2013 እትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ሎሚ ሓሙስ 19 መስከረም 2013 ወጋሕታ ናብ ኢጣልያ ኣምሪሓ።


ነታ ሃገራዊት ጋንታ ንምፍናው ብረቡዕ ምሸት ኣብ ሆቴል ሳቫና ሓለፍቲ ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ኮሚሽነር ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ሜጀር-ጀነራል ሮመዳን ዑስማን ኣወልያይ ኣብ ዘስምዖ ቃል ኣብቲ ዝጽበዮም ዓለማዊ ውድድር ልዑል ናይ ጋንታ ውህደት ብምንጽብራቕ ዝነኣድ ተሳታፍነት ኣርእዮም ስሞምን ስም ሃገሮምን ንምጽዋዕ በርቲዖም ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

ኣሰልጣኒ’ታ ሃገራዊት ጋንታ ኣቶ ሙሴ ኣስሄል ብወገኑ እታ ሃገራዊት ጋንታ ብሓደ ተጠርኒፋ ነቲ ውድድር ዝበቕዕ ኩሉ-መዳያዊ ምድላዋት ከተካይድ ምጽንሓ ብምጥቃስ ዝበዝሑ ተቐዳደምቱ ናይ ኣህጉራዊ ውድድራት ተመኩሮ ዝደለቡ ብምዃኖም ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ተመሳሳሊ ውድድራት ብሉጽ ተሳታፍነት ኣርእዮም ንምምላስ ድሉዋት ምህላዎም ገሊጹ፡፡

ንሱ ወሲኹ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹኑ ኣብ ደገ ንትምህርቲን ስልጠናን ካብ ዘለዉ ነቲ ውድድር ዝመረጾም ተቐዳደምቲ ኩሎም ኣብ ምሉእ ብቕዓት ከምዘለዉ ብምሕባር ምስ ክለብ ኤም-ቲ-ኤን ኣብ ውድድር ዙር ብሪጣንያ 2013 ዝሳተፍ ዘሎ ተቐዳዳማይ ፍረቓልሲ ደበሳይ ብዘጋጠሞ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ብተቐዳዳማይ ጃኒ ተወልደ ክትክኦ ምግዳዱ ወሲኹ ሓቢሩ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ኣስመራ ከተካይዶ ድሕሪ ዝጸንሐት ምድላዋት ንተቐዳደምቲ ሜሮን ተሾመ፡ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ መኽሰብ ደበሳይን ዓወት ገብረመድህንን ሒዛ ካብ ኣስመራ ክትብገስ እንከላ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንትምህርቲን ስልጠናን ዝርከቡ ተቐዳደምቲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ ሜሮን ርእሶም፡ ጃኒ ተወልደን መርሃዊ ቁዱስን ኣብ ኢጣልያ ክጽንበርዋ እዮም።

በቲ ዝወጸ ናይ ውድድር መደባት ድማ ንተቐዳደምቲ ናትናኤል ብርሃነ፡ ሜሮን ተሾመ፡ ዓወት ገብረመድህን፡ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ መኽሰብ ደበሳይን መርሃዊ ቁዱስን እትሓቁፍ ናይ ትሕቲ 23 ዕድመ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣-

23 መስከረም ናይ 42.6 ናይ ውልቂ ክሮኖሜተር ውድድር
27 መስከረም ናይ 172.6 ናይ ጽርግያ ውድድር ከተካይድ እንከላ፣ ንተቐዳደምቲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ሜሮን ርእሶምን ጃኒ ተወልደን ዝሓዘት ናይ ዓበይቲ (Elite) ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድማ 25 መስከረም ናይ 57.8 ኪ/ሜ ናይ ውልቂ ክሮኖሜተር ውድድር ከምኡ’ውን 29 መስከረም ናይ 272.6 ኪ/ሜ ናይ ጽርግያ ውድድር ከተካይድ’ያ።
እታ ናብ ኢጣልያ ዝኸደት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ብፕረዚደት ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ኣስመሮም ሃብተማርያም’ያ ተመሪሓ ናብ ኢጣልያ ተጓዒዛ ዘላ።

Eritrean sport Commission
Public Relations Dep’t

ኣስመራ፣ ከተማ ሕልምታት – Asmara: City of Dreams

Föderation für Weltfrieden – Universal...

President Isaias Holds Talks with PRC Communist...

Celebration & Forum held in Vienna Austria on...

ኣስመራ፣ ከተማ ሕልምታት – Asmara: City of Dreams

New Agricultural Laboratory inaugurated