August 29, 2013

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ኣብ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም 2013 ንምስታፍ ልምምድ ተካይድ ኣላ።

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡
ኣብ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም
2013 ንምስታፍ ልምምድ ተካይድ ኣላ።

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ኣብ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም 2013 ንምስታፍ ልምምድ ተካይድ ኣላ።ኣብ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም 2013 እትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ልምምዳ ተካይድ ከምዘላ፡ ህዝባዊ ርክባት ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ሓቢሩ፣

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብዚ ካብ 22 ክሳብ 29 መስከረም ኣብ ከተማ ፍሎረንስ – ኢጣልያ ዝካየድ ውድድር፡ ብናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ልዕሊ ዕድመን ክትሳተፍ ምዃና ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብቲ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ውድድር፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዛ ብሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ክትሳተፍ እንከላ፡ ኣብ ናይ ልዕሊ ዕድመ ውድድር ድማ ብሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ተበሊጻ ካልኣይ ተርታ ብምሓዛ ብሰለስተ ተቐዳደምቲ ክትውከል’ያ፣

ካብ 15 ክሳብ 20 ሓምለ ኣብ ሞንጎ ዓሰርተ ሰለስተ ናይ ትሕቲ 23 ተቐዳደምቲ ምጽራይ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሜሮን ተሾሞ። መኽሰብ ደበሳይ። ዓወት ገብረመድህን። ተስፎም ዑቕባማርያም። ኣሮን ደብረጽዮንን መትከል ኢዮብን ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣቝሞም ከምዘለዉ ተፈሊጡ፣

ይኹን’ምበር፡ ብመሰረት ካብ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ሙሴ ኣስሄል ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ካብ’ዞም ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ኣርባዕተ ጥራይ’ዮም ናብ ኢጣልያ ከምርሑ። ምኽንያቱ፡ ምስ ፈረንሳዊት ክለብ ዩሮፕ-ካር ዝቀዳደም ናትናኤል ብርሃነን ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ዩሲኣይ ዝርከብ መርሃዊ ቅዱስን ቦታኦም ዉሑስ’ዩ፣

ተመሪጾም ዘለዉ ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ድሕሪ ዘካየድዎ ዝተፈላለየ ናይ መምዘኒ ብቕዓት ልምምድ’ዮም ተመሪጾም፣

ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ ግን፡ ብምሉኦም ካብ ሃገር ወጻኢ ኣብ ውድድራት ተጸሚዶም ብምህላዎም። ድሕሪ ገለ ሳምንታት’ዮም ክምረጹ።

ኣብ’ዚ ናይ ልዕሊ ዕድመ ውድድር፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት። ሜሮን ርእሶም። ጃኒ ተወልደን ፍረቓልሲ ደበሳይን ካብቶም ቀንዲ ሕጹያት ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ፣

******* ኣ.ዜ.ኤ *******

Funeral service of veteran fighters Brig. Gen....

National Council of Eritrean Americans (NCEA)...

Eritrean Sensation Aron Kifle and Awet Habte...

Eritrean Community festival in Eastern Canada

Diaspora News – Global compact for safe,...

Campaign to make Westerners aware of Ethiopia’s...