February 18, 2012

ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ዘለወን ዝምድናታት ብምድንፋዕ ንሽርክነታዊ ረብሓ ከምዝሰርሑ። ኣብ ኤርትራ ዝተመደቡ ኣምባሳደራት ገሊጾም፣

ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ዘለወን ዝምድናታት ብምድንፋዕ ንሽርክነታዊ ረብሓ ከምዝሰርሑ። ኣብ ኤርትራ ዝተመደቡ ኣምባሳደራት ገሊጾም፣

ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ዘለወን ዝምድናታት ብምድንፋዕ ንሽርክነታዊ ረብሓን እወታዊ ጽምዶን ከምዝሰርሑ። ብ15ን 16ን ለካቲት ወረቐት ስርሖም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘረከቡ 21 ኣምባሳደራት ገሊጾም፣

እቶም ኣምባሳደራት ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሑሉ ናይ ስራሕ እዋን። ኣብ ቊጠባዊ። ማሕበራዊ። ባህላዊ። ዲፕሎማስያውን ካልእን መዳያት ንዝጸንሐ ዝምድናታት ብዝያዳ ኣብ ምምዕባልን ንሓባራዊ ረብሓ ዘገልግል መደባት ኣብ ምድንፋዕን ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም፣

ዝምድና ኤርትራን ቱርኪን ታሪኻዊ ምዃኑ ዝገለጸ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ቱርኪ ሚስተር ፋዚል ኮርማ። ኣብ ወፍሪ። ንግድ። ኢንዱስትሪ። ህንጻን ትሕተ-ቅርጽን ዘተኰረ ክልተኣዊ ሽርክነታዊ መደባት ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዓሚቝ ዘተ ከምዘካየደ ብምጥቃስ። ብዝተዋህቦ መብርሂ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝሰላሰል ዘሎ መደባትን ገስጋሱን ንጹር ስእሊ ከምዝረኸበ ኣብሪሁ፣

ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ህንዲ ሚስተር ሲባብራታ ትሪፓቲ ብወገኑ። ኤርትራ ኣብ ሓጺር ዓመታት ንዘርኣየቶ ምዕባለ ብምድናቕ። ንወፍሪ ዘተባብዕ ጸጋታትን ካልእ ረቛሒታትን ዝተዓደለት ብምዃና። ኣብ መዳያት ንግዲ። ባህል ትምህርትን ንዝጸንሐ ሽርክነት ኣብ ምሕያልን ካልእ ዕድላት ኣብ ምምዕባልን ከምዝጽዕር ኣረጋጊጹ፣

ኣምባሳደራት ምስሪ። ኤውሮጳዊ ሕብረት። ናይጀርያ። ቐጠርን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብወገኖም። ንዝጸንሐ ክልተኣዊ ዝምድና ናብ ዝበረኸ ደረጃ ንምድያብ። ምስ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብሓባር ክሰርሑ ምዃኖም ኣረዲኦም፣

ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንክልተአን ሃገራት ዘገድሱ ሓያሎ ክልተኣዊ። ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ኣልዒሎም ከምእተመያየጡ ዝሓበረ ኣምባሳደር ኢራን ሚስተር ጀዋድ ትርክ ዓባዲ። ሓባራዊ ኣመልኻኽታ ከምዘሎ ከምእተገንዘበን ንምምዕባሉ ከምዝጽዕርን ገሊጹ፣

ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ሱዳን ኣሰይድ ማጅድ ዩስፍ ያሕያ ድማ። ተልእኾኡ ንኣህዛብ ክልቲአን ሃገራት ዘርዊ ግብራዊ ስራሕ ምስላጥ ምዃኑ ብምምልካት። ንዝጸንሐ ንሓባራዊ ረብሓ ዘገልግል ኩሉመዳያዊ ምትሕግጋዝ ብዝበለጸ ውጽኢታዊ ንምግባሩ ከምዝጽዕት ሓቢሩ፣

***** ኣ.ዜ.ኤ. *****

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...