September 11, 2013

ሃኮሰኤን ማሕበር ኣስራሕቲ ኤርትራን፡ ኣብ ሓባራዊ ውዕላት፡ ምቕሉል ዕዮን ማሕበራዊ ዘተን ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ ኣካዪዶም፣

ሃኮሰኤን ማሕበር ኣስራሕቲ ኤርትራን፡ ኣብ ሓባራዊ ውዕላት፡ ምቕሉል ዕዮን ማሕበራዊ ዘተን ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ ኣካዪዶም፣

ሃኮሰኤን ማሕበር ኣስራሕቲ ኤርትራን፡ ኣብ ሓባራዊ ውዕላት፡ ምቕሉል ዕዮን ማሕበራዊ ዘተን ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ ኣካዪዶም፣

ብሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራን ማሕበር ኣስራሕቲ ኤርትራን ዝተወደበ፡ ኣብ ሓባራዊ ውዕላት፡ ምቕሉል ዕዮን ማሕበራዊ ዘተን ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ፡ ብ9ን 10ን መስከረም ኣብ ኣዳራሽ ሃኮሰኤ – ኣስመራ ተኻዪዱ።

ኣብ መኽፈቲ ናይ’ቲ ካብ ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ ብዝመጹ ክኢላታት ዝተኻየደን ኣባላት ሃኮሰኤ፡ ማሕበር ኣስራሕቲ ኤርትራን ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዝተሳተፍዎን ዓውደ-ዘተ። ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሃኮሰኤ ኣቶ ጸጋይ ሞጎስ ኣብ ዘስመዖ ቃል። ኣቐዲሞም ዝተፈላለዩ ዕዉታት ስሉሳዊ ዓውድታት ዘተ ከምእተኻየዱ ብምጥቃስ። ንክልቲኡ ወገናት ማለት ንሃኮሰኤን ማሕበር ኣስራሕቲ ኤርትራን ዘሳተፈ ዓውደ-ዘተ ክካየድ ግን ናይ መጀመርያ ምዃኑ ኣብሪሁ፣

ኣስዒቡ ኣቶ ጸጋይ። እቲ ዓውደ-ዘተ ኣብ ምሕያል ዝምድና ክልቲኡ ወገናት ኣድማዒ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ፣

ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣስራሕቲ ኤርትራ ኣቶ የማነ ተስፋይ ብግደኡ። ሓባራዊ ውዕል ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ከምዘይኮነ። እንተኾነ ግን ምስ ቁጠባዊ ኩነታትን ማሕበራዊ ኣቃውማን ተቐያያሪ ብምዃኑ ቀጻሊ ዘተ ብምክያድ ሓባራዊ ረብሓኦም ዘውሕሱሉን ሓሳባትን ተመኵሮታትን ዝለዋወጡሉን ባይታ ምፍጣር ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ኣብ ካይሮ ካብ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ኣህጉራዊ ሕጊ ዕዮ ዝመጹ ክኢላታት ሚስተር መሓመድ ጥራበልሲን ኤሪክ ኦችስሊንን ብወገኖም፡ ኣብ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ዓውደ-ዘተ ምክያድ ቅድሚ 5 ዓመት ከምዝጀመርዎ ብምጥቃስ፡ ዕላማኡ – ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ጥዑይ ዝምድና ንምፍጣር ከምዝኾነን ነቲ ናይ ስራሕ ምትሕግጋዝ ከዕብይዎ ቅሩባት ምህላዎምን ገሊጾም፣

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Funeral service of veteran fighters Brig. Gen....

National Council of Eritrean Americans (NCEA)...

Eritrean Sensation Aron Kifle and Awet Habte...

Eritrean Community festival in Eastern Canada

Diaspora News – Global compact for safe,...

Campaign to make Westerners aware of Ethiopia’s...